world-service-rss

BBC ናይ ውሽጢ ዓዲ

ትግራይ፡ ‘ገሃነም ዝመስላ ዓሰርተ መዓልተታት’

ትግራይ፡ 'ገሃነም ዝመስላ ዓሰርተ መዓልተታት'

ሰንበት፣ 4 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 12:33:12 ድ.ቀ.

ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ-መቐለ፡ ኣብያተ ፖሊስ ጣብያን ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ክልልን [ደጀን] ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ስርቅን ወራርን ከምዝተፈፀመ ነበርቲ ሓቢሮም። ነባሪ ከተማ መቐለ ዝኰነ ፍፁም ብርሃነ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብፍላይ ቅድሚ 24 ሰዓታት ዝተፈፀመ ሰፊሕ ዝርፍያ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ፀጥታ ስግኣት ኣስዒቡ ከምዝነበረ ሓቢሩ።

መንግስቲ ትግራይ ካብ መቐለ ወፂኡ ‘ዕጥቃዊ ቃልሲ’ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ

መንግስቲ ትግራይ ካብ መቐለ ወፂኡ 'ዕጥቃዊ ቃልሲ' ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ

ሰንበት፣ 4 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 5:47:56 ቅ.ቀ.

ሓይልታት ትግራይ ነታ ርእሰ-ከተማ ለቒቖም ከም ዝወጹ፡ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ንጋዜጠኛን ነበርትን እታ ክልል ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ኣፍሊጡ

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ኣፍሊጡ

ሰንበት፣ 4 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 8:53:37 ቅ.ቀ.

መንግስቲ ፌዴራል፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ቀልጢፉ ናብ መረፃ ዘሰጋገር፡ ግዝያዊ ክልላዊ መንግስቲ ከቝም ይንቀሳቐስ ከምዘሎ፡ ኣብርሃም በላይ (ዶክተር) ገሊፁ።

ዞባዊ ወጥሪ ኣብ ዝጋደደሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኣልሲስን ተራኺቦም

ዞባዊ ወጥሪ ኣብ ዝጋደደሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኣልሲስን ተራኺቦም

ሰንበት፣ 4 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 5:55:15 ቅ.ቀ.

መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናታትን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ጉዳያትን ዘተኰረ ዓሚቚ ዘተ ከምዘካየዱ ተገሊጹ።

ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ዘተን ሰላምን ክምለሳ ኣተሓሳሲባ

ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ዘተን ሰላምን ክምለሳ ኣተሓሳሲባ

__

ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ክልላዊ ሓይልታትን ሰራዊት መንግስቲ እታ ሃገርን ዳግማይ ውግእ ተወሊዑ ኣሎ። ኣብ 2022 ደው ካብ ዝበለ ደማዊ ኲናት ገና ዕረፍቲ ዘይተሰምዖም ነበርቲ፡ እቲ ኩነታት ናብ ምሉእ ኲናት ከየምርሕ ኣብ ፍርሒ ይርከቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ ዞባዊ ጸጥታን ድሕነትን ንምስታፍ ናብ ግብጺ ኣምሪሑ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ ዞባዊ ጸጥታን ድሕነትን ንምስታፍ ናብ ግብጺ ኣምሪሑ

ቀዳም፣ 3 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 8:08:18 ቅ.ቀ.

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዋዕላ ዞባዊ ድሕነት ንምስታፍን ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ስትራተጅያዊ ዝምድናታት ንምብራኽን፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ናብ ግብጺ ኣምሪሑ።

ታደሰ ወረደ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ካብ ሆቴል ተወሲዱ ተባሂሉ

ታደሰ ወረደ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ካብ ሆቴል ተወሲዱ ተባሂሉ

ቀዳም፣ 3 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 2:34:50 ድ.ቀ.

ቅድሚ ሸሞንተ መዓልቲ ብሓይልታት ትግራይ ካብ መንበሪ ቤቱ ዝተወስደ ሌተና ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣበይ ከም ዘሎ ከም ዘይፍለጥ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግተን

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግተን

ዓርቢ፣ 2 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 7:34:10 ድ.ቀ.

ብምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት፡ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ከምኡ’ውን ዞባዊ ጸጥታ ዘተኮረ ዝርርብ ከምዘካየደ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

03 ጥቅምቲ ዝኽሪ ላምፐዱሳ፡ ህይወት ኣማኢት ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ህልቂት

03 ጥቅምቲ ዝኽሪ ላምፐዱሳ፡ ህይወት ኣማኢት ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ህልቂት

ቀዳም፣ 3 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 6:52:28 ቅ.ቀ.

ክልዕ ከምዛ ሎሚ፡ 03 ጥቅምቲ 2013፡ ካብ ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ቈሪጾም ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ዝተገበሱ፡ ቈልዑ ዝርከብዎም 368 ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ ብዘስካሕክሕ ኵነታት ሓደጋ ከም ዝጠሓሉ ይዝከር።

26 ሰባት ብጃልባ ባሕሪ ዘሳገረ ኤርትራዊ ማእሰርትን ምጥራዝን ተፈሪዱ

26 ሰባት ብጃልባ ባሕሪ ዘሳገረ ኤርትራዊ ማእሰርትን ምጥራዝን ተፈሪዱ

ቀዳም፣ 3 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 6:19:44 ቅ.ቀ.

ሽዱሽተ ህጻናት ዝርከብዎም 26 ካልኦት ሰባት ዝጸዓነት ንእሽቶ ጃልባ ናብ ገማግም ባሕሪ ኬንት ብሪጣንያ ዘሳገረ ዓብደላ ጀማል ዝተባህለ ኤርትራ ን18 ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱ።

ኢልሃንን ብጾታን ሓድሽ ውግእ ኢትዮጵያ ብምዅናን ህጹጽ ዘተ ክካየድ ጸዊዖም

ኢልሃንን ብጾታን ሓድሽ ውግእ ኢትዮጵያ ብምዅናን ህጹጽ ዘተ ክካየድ ጸዊዖም

ቀዳም፣ 3 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 7:18:05 ቅ.ቀ.

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወልዐ ወተሃደራዊ ግጭትን ኣብ ርእሰ-ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ ነተጕትን ስዒቡ፡ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካን ትካል ሰላም ኤውሮጳን ኵሎም ተጻባእቲ ወገናት ብህጹጽ ተዅሲ ደው ከብሉን ናብ መኣዲ ዘተ ክምለሱን ጸዊዖም።

‘ዘይተፈትሑ ዓበይቲ ምስጢራት ስነ-ፍልጠት’፡ መደንዘዚ ብዛዕባ ኣእምሮና እንታይ ይገልጽ?

'ዘይተፈትሑ ዓበይቲ ምስጢራት ስነ-ፍልጠት'፡ መደንዘዚ ብዛዕባ ኣእምሮና እንታይ ይገልጽ?

ቀዳም፣ 3 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 6:24:56 ቅ.ቀ.

ሎሚ ኣብ ኵሉ ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ 350 ሚልዮን መብጣሕትታት ብሓፈሻዊ መደንዘዚ ይካየድ። እንተዀነ፡ እዞም ምስጢራውያን መድሓኒታት ብኸመይ ከም ዘደቅሱና ክሳዕ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ዝተፈልጠ ነገር የሎን።

ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ኣብ እዋናዊ ኵነታት እንታይ ኢሉ?

ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ኣብ እዋናዊ ኵነታት እንታይ ኢሉ?

ዓርቢ፣ 2 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 9:05:27 ቅ.ቀ.

ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ኣቦ መንበር ህወሓትን ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ትማሊ 1 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሓድሽ ውግእ ምጅማሩ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናይ ህልውና ምዃኑ ገሊጹ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአንን ዝሓለፎ መድረኻትን

ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአንን ዝሓለፎ መድረኻትን

ዓርቢ፣ 2 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 8:15:37 ቅ.ቀ.

ኤርትራ፡ ኣብ ፈለማ ናጽነታ 1991 ኣትሒዛ፡ ብሳላ’ቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዓወቶም ዘረጋገጹ ውድባት ዝነበሮም ጥቡቕ ዝምድና፡ ብዘይሓርጐጽጐጽ ናብ ዝምድና ክልተ ሃገራት እዩ ቀጺሉን ማዕቢሉን።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን ዘሎ ወጥሪ ክሃድእ ጸዊዑ

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን ዘሎ ወጥሪ ክሃድእ ጸዊዑ

ዓርቢ፣ 2 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 6:07:53 ቅ.ቀ.

ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ብዓቢይ ሻቕሎት ይከታተሎ ምህላዉ ብምግላጽ፡ ሰለስተአን ኣባል ሃገራት ዝለዓለ ዓቕሊ ክገብራን ነቲ ዞባ ናብ ዝገደደ ቅልውላው ዘእቱ ስጕምቲታት ካብ ምውሳድ ክሕየባን ኣጥቢቑ ጸዊዑ።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ

ሓሙስ፣ 1 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 6:40:53 ድ.ቀ.

ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዲፕሎማሰኛታት ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ክትበትኮ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።

ኢትዮጵያ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ካብታ ሃገር ክወጹ ኣዚዛ

ኢትዮጵያ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ካብታ ሃገር ክወጹ ኣዚዛ

ሓሙስ፣ 1 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 3:27:34 ድ.ቀ.

እዚ ሚኒስትሪ ጉዳያት ሎሚ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ፡ ዶባዊ ኲናት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ 1998 ዝተወለዓሉ እዋን ዘዘኻኽር’ዩ። ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ነቶም ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወከሉ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ከይተረፈ ኣሰናቢታቶም ምንባራ ይዝከር።

ኣዲስ ኣበባ፡ ነትጕታት ክስማዕ ከም ዝሓደረ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፡ ነትጕታት ክስማዕ ከም ዝሓደረ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም

ሓሙስ፣ 1 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 11:18:19 ቅ.ቀ.

ኣብ ርእሰ-ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ፡ ናብ ሓሙስ 01 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ድምጺ ነትጕታት ክስማዕ ከም ዝሓደረ ሮይተርስ ንዝረኸቦ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ጠቒሱ ኣቃሊሑ። ቢቢሲ እውን ንነበርቲ ኣዘራሪቡ ኣረጋጊጹ።

ሓይሊ ሰላም ትግራይ ንኤርትራ ይኸስስ፡ ኤርትራ’ውን ምላሽ ሂባ

ሓይሊ ሰላም ትግራይ ንኤርትራ ይኸስስ፡ ኤርትራ'ውን ምላሽ ሂባ

ሓሙስ፣ 1 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 7:49:19 ቅ.ቀ.

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መዳውብቲ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዳግም ዝተወልዐ ውግእ ቀዳማይ ሰሙኑ ኣብ ዘቝጸረሉ እዋን፡ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ንሓይልታት ትግራይ ዝዋጋእ ዘሎ ‘ሓይሊ ሰላም ትግራይ’፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ብቐጥታ ይሳተፍ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

ኣላማጣ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲን ከባቢኡን ብዛዕባ ዝበጸሐ ጉድኣት እንታይ ንፈልጥ?

ኣላማጣ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲን ከባቢኡን ብዛዕባ ዝበጸሐ ጉድኣት እንታይ ንፈልጥ?

ረቡዕ፣ 30 መስከረም 2026 ሰዓት 8:20:16 ቅ.ቀ.

ካብ ቀዳም ክሳብ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ ኣብ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኣን ዝተሰነደ ሞት 52 ሰባት ከምዘጋጠመ ሓደ ብዓል ሞያ ጥዕና ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብዚ እዋን ሰራዊት ፌደራል ንኩሉ ኣብያተ ጽሕፈት እታ ከተማ ተቖጻጺርዎ ከምዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም።

ኣስመራ፡ እታ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ ዘላ ከተማ

ኣስመራ፡ እታ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ ዘላ ከተማ

ሓሙስ፣ 10 መስከረም 2026 ሰዓት 6:27:38 ቅ.ቀ.

ኣስመራ፡ እታ ብጽሬታን ብስሩዕ ውጥን ዘመናዊ ከተማውነትን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ዝነበረት “ንእሽቶ ሮማ”፡ ሎሚ መልክዓ ብሕሱም ኵነታት ተቐይሩ፡ ነበርታ ኣብ ከቢድ ጸገም ጽምኢ ማይ ይርከቡ። ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ሞያውያን፡ ነበርትን ሰነዳትን ተወኪሱ’ሎ፤

ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ እቲ ተወሊዑ ዝቐሃመ ዕርቀ ሰላም 2018

ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ እቲ ተወሊዑ ዝቐሃመ ዕርቀ ሰላም 2018

ቀዳም፣ 12 መስከረም 2026 ሰዓት 6:40:06 ቅ.ቀ.

ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ልክዕ ከምቲ ብ11 መስከረም 2018 ኣብ ዛላምበሳ ሰርሓን ኣኣብ ቤቱን ቅርዓቱን ዘርኣዮ ጽምብል ናይ ብሓቂ ደላይ ሰላምን ፍቕርን ምዃኑ እዩ። ስለዚ እቲ ድሌት ናይ ህዝቢ ኣይፈሸለን እቲ መሪሕነት ክልቲኤን ሃገራት ግን እቲ ህዝባዊ ተቐባልነት ነናብ ፖለቲካዊ ረብሓኡ ስለዝቐየሮ ንግዚኡ ተኾሊፉ ኣሎ።

ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት

ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት

ሓሙስ፣ 13 ነሓሰ 2026 ሰዓት 4:03:33 ቅ.ቀ.

ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት’ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን።ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ እያ

ኣብ ሸላታት ሞት ስዑዲ ዓረብ ተስፋ ዝቘረጹ ኢትዮጵያውያን ናብ ቢቢሲ ደዊሎም

ኣብ ሸላታት ሞት ስዑዲ ዓረብ ተስፋ ዝቘረጹ ኢትዮጵያውያን ናብ ቢቢሲ ደዊሎም

ቀዳም፣ 1 ነሓሰ 2026 ሰዓት 8:17:25 ቅ.ቀ.

ዓሰርተታት ኢትዮጵያውያን ፍርዲ ሞት ይጽበዩ ኣለዉ - ገለ ካብኣቶም ዛንታኦም ንምንጋር ናብ ቢቢሲ ትግርኛ ደዊሎም ዛንታኦም ነጊሮም ኣለዉ። እቲ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ካብታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፍርዲ ሞቱ ዝጽበየላ ጸባብ ክፍሊ ማእሰርቲ ብተሌፎን ናብ ቢቢሲ ክድውል ዕድል ምስረኸበ፡ ኣብ ድምጹ ጭንቀትን ተስፋ ምቝራጽን ይስማዕ ነይሩ።

ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት

ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት

ረቡዕ፣ 29 ሓምለ 2026 ሰዓት 4:11:10 ቅ.ቀ.

ድሕሪ’ቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ቍጠባዊ ኵነታት ይዅን ነቲ መምርሒ ዝሰዓበ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዕድጋታት እንታይ ይመስል? ህዝቢኸ ብኸመይ ይቃለሶ ኣሎ? ኣብ ዝብል ኣተኵርና ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪብና ኣለና።

“ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ”፡ ዘሰቅቕ ዛንታታት ሞት ዝተፈረዶም ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ

"ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ"፡ ዘሰቅቕ ዛንታታት ሞት ዝተፈረዶም ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ

ሓሙስ፣ 21 ጉንበት 2026 ሰዓት 5:06:36 ቅ.ቀ.

ሂዩማን ራይትስ ዎች ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ። “መቕፃዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍፀም ይፅበዩ ኣለዉ” ክብል’ውን ኣመልኪቱ። ኣብ መስርዕ ሞት ካብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ገሊኦም ዛንታ፡ 31 ዓመት ዘድመኡ ካብ ዞባ ምብራቕ ዝተሰደደ ደስታ እዩ።

ብዛዕባ እታ ‘ሕብሪ ወርሒ’ እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?

ብዛዕባ እታ 'ሕብሪ ወርሒ' እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?

ሰኑይ፣ 1 ሰነ 2026 ሰዓት 5:26:49 ቅ.ቀ.

ኤርትራውያን ኣብ ናይ መንግስቲ ይዅን ብሕቲ ስራሓት ዝወፍረሉ፣ ሰብ-ሓዳር ቪላታት ዘስርሕሉ፣ ብዙሓት ደቀ’ባት ካብ ጣልያን ዝተረከብዎ ፋብሪካታት ዘመሓድርሉ፣ ብብዝሒ ዲታታት (ኩባንያታት) ዝነበርሉ፣ ቍጠባ እታ ሃገር ዝደንፍዓሉ፡ ደቂ ከባቢ ኣብታ ብጽሬታ እትነኣድ ኣስመራ ኣትዮም እቶት ዝምእርርሉ ግዝያት ነበረ።

ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?

ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?

ዓርቢ፣ 20 ለካቲት 2026 ሰዓት 9:10:03 ቅ.ቀ.

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።

ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ’ዩ?

ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?

ሓሙስ፣ 12 ለካቲት 2026 ሰዓት 8:00:01 ቅ.ቀ.

ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ’ሎ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?

ረቡዕ፣ 28 ጥሪ 2026 ሰዓት 7:44:28 ቅ.ቀ.

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ…፤

ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?

ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?

ሰኑይ፣ 27 ጥቅምቲ 2025 ሰዓት 4:16:35 ቅ.ቀ.

ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን’ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ’ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?

ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?

ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?

ሰኑይ፣ 22 መስከረም 2025 ሰዓት 5:39:15 ቅ.ቀ.

ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን’ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ ‘ደሞክራስን ፍትሕን’ ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ ‘ሰልፊ’ እንታይ’ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።

ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?

ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?

ረቡዕ፣ 1 ጥቅምቲ 2025 ሰዓት 7:38:19 ቅ.ቀ.

ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 35 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 35 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ

ዓርቢ፣ 20 ሰነ 2025 ሰዓት 4:23:40 ቅ.ቀ.

ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ። ኣብ ዋዕለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ “ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡” ክብል ዘሊፉዎም።

ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን ‘መዋእል ክሳራን’ ክትገላገል ትኽእል?

ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን'  ክትገላገል ትኽእል?

ሰሉስ፣ 6 ጉንበት 2025 ሰዓት 5:27:05 ቅ.ቀ.

እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ’ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት’ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም’ዮም።

ኤርትራ፡ ካብ ሓርነታዊ ገስጋስ ናብ ምልካዊ ትኻስ

ኤርትራ፡ ካብ ሓርነታዊ ገስጋስ ናብ ምልካዊ ትኻስ

ሰኑይ፣ 6 ጥሪ 2025 ሰዓት 4:33:12 ቅ.ቀ.

እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ “ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!” ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን’ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም እዩ።

‘ዘይተፈትሑ ዓበይቲ ምስጢራት ስነ-ፍልጠት’፡ መደንዘዚ ብዛዕባ ኣእምሮና እንታይ ይገልጽ?

'ዘይተፈትሑ ዓበይቲ ምስጢራት ስነ-ፍልጠት'፡ መደንዘዚ ብዛዕባ ኣእምሮና እንታይ ይገልጽ?

ቀዳም፣ 3 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 6:24:56 ቅ.ቀ.

ሎሚ ኣብ ኵሉ ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ 350 ሚልዮን መብጣሕትታት ብሓፈሻዊ መደንዘዚ ይካየድ። እንተዀነ፡ እዞም ምስጢራውያን መድሓኒታት ብኸመይ ከም ዘደቅሱና ክሳዕ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ዝተፈልጠ ነገር የሎን።

ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአንን ዝሓለፎ መድረኻትን

ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአንን ዝሓለፎ መድረኻትን

ዓርቢ፣ 2 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 8:15:37 ቅ.ቀ.

ኤርትራ፡ ኣብ ፈለማ ናጽነታ 1991 ኣትሒዛ፡ ብሳላ’ቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዓወቶም ዘረጋገጹ ውድባት ዝነበሮም ጥቡቕ ዝምድና፡ ብዘይሓርጐጽጐጽ ናብ ዝምድና ክልተ ሃገራት እዩ ቀጺሉን ማዕቢሉን።

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ስለምንታይ ኣብ ቅድሚ ህዝባ ዘይትጻወት?

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ስለምንታይ ኣብ ቅድሚ ህዝባ ዘይትጻወት?

ረቡዕ፣ 30 መስከረም 2026 ሰዓት 7:02:35 ቅ.ቀ.

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ድሕሪ ናይ 18 ዓመታት ብኵራት ናብ ኣህጉራዊ መድረኽ ተመሊሳ እኳ እንተላ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ደጋፊኣ ግን ንጋንታኡ ብኣካል ናይ ምዕዛብ ዕድል ኣይረኸበን። ‘ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ’ ነቶም ኣብ ሜዳኣ ከተአንግዶም ዝግብኣ ጸወታታት ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር ከተካይድ ዘገደዳ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምድናኦም ብኸመይ የዕብዩ ኣለዉ?

ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምድናኦም ብኸመይ የዕብዩ ኣለዉ?

ረቡዕ፣ 30 መስከረም 2026 ሰዓት 4:48:20 ቅ.ቀ.

ምንቅስቓስ ሑቲ የመን ኣንሳር ኣላህ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ጥቓ መጻብቦ ባብ ኤል መንዳብ ዝርከቡ ስትራተጂካዊ ከባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ዝያዳ ዝሓየለ ጽልዋ ዘለዎም ይመስል። እዚ ፍጻመታት እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣብ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሑቲ ዝተራእየ ርኡይ ምዕባለ ዘንጸባርቕ እዩ።

ኢትዮጵያ፡ ዳግም ናብ ካልእ ሙሉእ-ኲናት ትህንደድ ኣላ ድያ?

ኢትዮጵያ፡ ዳግም ናብ ካልእ ሙሉእ-ኲናት ትህንደድ ኣላ ድያ?

ሰንበት፣ 27 መስከረም 2026 ሰዓት 7:06:58 ቅ.ቀ.

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ክልላዊ ሓይልታትን መንግስቲ እታ ሃገርን ዳግማይ ውግእ ይጓሓሓር ኣሎ። ኣብ 2022 ደው ካብ ዝበለ ደማዊ ኲናት ገና ዕረፍቲ ዘይተሰምዖም ነበርቲ ትግራይ ምሉእ ኲናት ከይለዓል ኣብ ፍርሒ ይርከቡ።

ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥሩ ሓሙሽተ ፍሉጣት ፖለቲካዊ ጥምረታት መዕለቢኦም እንታይ ኮነ?

ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥሩ ሓሙሽተ ፍሉጣት ፖለቲካዊ ጥምረታት መዕለቢኦም እንታይ ኮነ?

ረቡዕ፣ 23 መስከረም 2026 ሰዓት 7:23:36 ቅ.ቀ.

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኢትዮጵያ ሓያሎ ሓይልታት ሓባራዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጥምረታት ብምፍጣር ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ነታ ሃገር ብሓድሽ መልክዕ ዘዋቐራን ንነዊሕ ግዜ ዘመሓደረን ኢህወዴግ፡ ከምኡ’ውን ካብ ተቓወምቲ ሓይልታት ደገፍ ብዙሓት ረኺቡ ዝነበረ ቅንጅት ብቐንዱ ዝጥቀሱ እዮም። እዞምን ካልኦት ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተራእዩ ጥምረታትን ስለምንታይ ተመስሪቶም? እንታይከ ኣፍርዮም? መፈጸምትኦምከ እንታይ ኰይኑ?

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣበሽገ ዝተፈጸመ ቕትለትን ጭውያን ብመን ተኻይዱ?

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣበሽገ ዝተፈጸመ ቕትለትን ጭውያን ብመን ተኻይዱ?

ቀዳም፣ 19 መስከረም 2026 ሰዓት 5:56:22 ቅ.ቀ.

እዚ ዕጡቓት ኣብታ ዋልጋ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ናይቲ ወረዳ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ሓያል ፍርሕን ጃምላዊ ምምዝባልን ፈጢሩ ኣሎ።

ምቍጽጻር ባብ ኣል-መንደብ ብሑቲ፡ ንቝጠባዊ መትኒ ስዑዲ ዓረብ ክሳብ ክንደይ ሓደጋ እዩ?

ምቍጽጻር ባብ ኣል-መንደብ ብሑቲ፡ ንቝጠባዊ መትኒ ስዑዲ ዓረብ ክሳብ ክንደይ ሓደጋ እዩ?

ዓርቢ፣ 18 መስከረም 2026 ሰዓት 5:01:49 ቅ.ቀ.

ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ንሰደድ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ወሳኒ ዝዀነ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ተቘጻጺሮሞ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ንሪያድ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስትራተጅያውን ቍጠባውን ፈተና ኣእትይዋ ይርከብ።

ኤርትራ፡ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተኣሰሩ ጕጅለ 15 ብዓል መን’ዮም፡ ሕቶኦምከ?

ኤርትራ፡ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተኣሰሩ ጕጅለ 15 ብዓል መን'ዮም፡ ሕቶኦምከ?

ሓሙስ፣ 17 መስከረም 2026 ሰዓት 5:22:57 ቅ.ቀ.

እቲ ድሕሪ 25 ዓመት ገና ዘይተመለሰ ቀንዲ ሕቶ፡ “እዞም ሰባት ኣበይ ኣለዉ፣ እንታይ ኰይኖም፣ ስለምንታይከ ኣብ ፍርዲ ኣይቀረቡን?” ዝብል እዩ። ቢቢሲ እውን ብዛዕባ ሃለዋቶም ሓበሬታ ንምርካብ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ሕቶ ኣቕሪቡ፣ መልሲ ይጽበ ኣሎ።

11 መስከረም፡ ድሕሪ 25 ዓመታት ትካላት ስለላ እንታይ ተማሂሮም እንታይከ ኣምሊጥዎም?

11 መስከረም፡ ድሕሪ 25 ዓመታት ትካላት ስለላ እንታይ ተማሂሮም እንታይከ ኣምሊጥዎም?

ቀዳም፣ 12 መስከረም 2026 ሰዓት 7:07:50 ቅ.ቀ.

ቀዳማይ ሓላፍነት ሓደ መንግስቲ፡ ንህዝቡ ካብ ሓደጋ ምዕቃብ እዩ። ቅድሚ 25 ዓመት፡ ብ11 መስከረም 2001 ግን ኣመሪካ ነዚ ሓላፍነት’ዚ ኣብ ምውጻእ ብግሁዶ ፈሺላ። እቲ ሓበሬታ ኣብ ኢድ ትካላት ስለላ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዘሕዝን ኣገባብ፡ ነቲ ዝነበረ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ኣወሃሂዱ ብግዜኡ ዘንበቦ በሊሕ ኣእምሮ ኣይነበረን።

ብድሕሪ ምንዳድ ቦጣት ነዳዲ ምዕራብ ወለጋ መን ኣሎ? መርመራ ቢቢሲን ስቕታ መንግስትን

ብድሕሪ ምንዳድ ቦጣት ነዳዲ ምዕራብ ወለጋ መን ኣሎ? መርመራ ቢቢሲን ስቕታ መንግስትን

ዓርቢ፣ 11 መስከረም 2026 ሰዓት 5:33:59 ቅ.ቀ.

እቲ ሓዊ ነዳዲ ንዝጸዓና ቦጣት ጥራይ ኣይኰነን ኣዕንዩ - ድሕሪኡ ዝሰዓበ ናይ መራሕቲ መኻይን ምጭዋይ’ውን ንመላእ’ቲ ከባቢ ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዎ።

ሩስያ ብኣውሮጳ ትኽሰሰሉ ዘላ ሓድሽን ዝተራቐቕን ኣገባብ መጥቃዕታ እንታይ እዩ?

ሩስያ ብኣውሮጳ ትኽሰሰሉ ዘላ ሓድሽን ዝተራቐቕን ኣገባብ መጥቃዕታ እንታይ እዩ?

ሓሙስ፣ 10 መስከረም 2026 ሰዓት 7:16:29 ቅ.ቀ.

ጀርመን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሌፕዜክ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሩስያ’ያ ፈጺማቶ ድሕሪ ምባላ፡ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ምዕራባውያን ሃገራትን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ዓሪጉ’ሎ።

ኣስመራ፡ እታ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ ዘላ ከተማ

ኣስመራ፡ እታ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ ዘላ ከተማ

ሓሙስ፣ 10 መስከረም 2026 ሰዓት 6:27:38 ቅ.ቀ.

ኣስመራ፡ እታ ብጽሬታን ብስሩዕ ውጥን ዘመናዊ ከተማውነትን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ዝነበረት “ንእሽቶ ሮማ”፡ ሎሚ መልክዓ ብሕሱም ኵነታት ተቐይሩ፡ ነበርታ ኣብ ከቢድ ጸገም ጽምኢ ማይ ይርከቡ። ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ሞያውያን፡ ነበርትን ሰነዳትን ተወኪሱ’ሎ፤

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ

ሓሙስ፣ 1 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 6:40:53 ድ.ቀ.

ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዲፕሎማሰኛታት ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ክትበትኮ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።

ሓይሊ ሰላም ትግራይ ንኤርትራ ይኸስስ፡ ኤርትራ’ውን ምላሽ ሂባ

ሓይሊ ሰላም ትግራይ ንኤርትራ ይኸስስ፡ ኤርትራ'ውን ምላሽ ሂባ

ሓሙስ፣ 1 ጥቅምቲ 2026 ሰዓት 7:49:19 ቅ.ቀ.

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መዳውብቲ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዳግም ዝተወልዐ ውግእ ቀዳማይ ሰሙኑ ኣብ ዘቝጸረሉ እዋን፡ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ንሓይልታት ትግራይ ዝዋጋእ ዘሎ ‘ሓይሊ ሰላም ትግራይ’፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ብቐጥታ ይሳተፍ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

ኢማራት ንህወሓት ብምዅናን ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ኣረጋጊጻ

ኢማራት ንህወሓት ብምዅናን ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ኣረጋጊጻ

ቀዳም፣ 26 መስከረም 2026 ሰዓት 8:52:28 ቅ.ቀ.

ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓርቢ ምሸት ኣብ ወግዓዊ ማሕበራዊ ገጹ ብዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓትን መሓዙት ሓይልታት ጥምረትን ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ምቍጽጻሮምን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘካይድዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ግጭትን ብትሪ ኰኒኑ።

‘ንሓዘንና ኣመና ኣኽቢዱዎ’ - ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሞት ንዝተቐጽዑ ደቆም ክቐብሩ ሬሳ ዝሰኣኑ ወለዲ

'ንሓዘንና ኣመና ኣኽቢዱዎ' - ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሞት ንዝተቐጽዑ ደቆም ክቐብሩ ሬሳ ዝሰኣኑ ወለዲ

ሰኑይ፣ 14 መስከረም 2026 ሰዓት 7:37:05 ቅ.ቀ.

ብዘይ ቅድመ-መጠንቀቕታ ዝፍጸም መቕጻዕቲ ሞት፡ ብምስጢር ሓመድ-ኣዳም ዝለበሰ ኣስከሬን፡ ከምኡ’ውን ሬሳ ደቆም ከይረኣዩ ባዶ ሳንዱቕ ዝቐብሩ ዘለዉ ወለዲ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሃንደበት ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ንስድራቤቶም ቅባጸት ዘይረኸበ መሪር ሓዘንን ጣዕሳን ይሓድገሎም ኣሎ።

ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ የመንን ቀይሕ ባሕሪን እንታይ ትብል?

ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ የመንን ቀይሕ ባሕሪን እንታይ ትብል?

ቀዳም፣ 12 መስከረም 2026 ሰዓት 8:13:17 ቅ.ቀ.

ሓይሊታት ሑቲ የመን ኣብዚ እዋን፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብምክያድ ሓያለ ከባቢታት ቀይሕባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተዉ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ “ጉዳይ የመን ወተሃደራዊ መፍትሒ የብሉን፡” ብምባል ርእይቶኡ ሂቡ።

ኣስመራ፡ እታ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ ዘላ ከተማ

ኣስመራ፡ እታ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ ዘላ ከተማ

ሓሙስ፣ 10 መስከረም 2026 ሰዓት 6:27:38 ቅ.ቀ.

ኣስመራ፡ እታ ብጽሬታን ብስሩዕ ውጥን ዘመናዊ ከተማውነትን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ዝነበረት “ንእሽቶ ሮማ”፡ ሎሚ መልክዓ ብሕሱም ኵነታት ተቐይሩ፡ ነበርታ ኣብ ከቢድ ጸገም ጽምኢ ማይ ይርከቡ። ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ሞያውያን፡ ነበርትን ሰነዳትን ተወኪሱ’ሎ፤

ትግራይ፡ ‘እቲ ዝኸፍአ ግዜ ካብ ጥሪ ንደሓር’ዩ’

ትግራይ፡ 'እቲ ዝኸፍአ ግዜ ካብ ጥሪ ንደሓር'ዩ'

ሓሙስ፣ 3 መስከረም 2026 ሰዓት 5:29:17 ቅ.ቀ.

ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ተርእዮ ኤል ኒኖ፡ ማእከላይ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ሰሜን፡ ሰሜናዊ ምብራቕን ምብራቕን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ከባቢታት ዝናብ ክረምቲ ከም ዝሓጸሮም ጸብጻባት ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

ትግራይ፡ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ሰላም እንታይ ይመስል?

ትግራይ፡ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ሰላም እንታይ ይመስል?

ሓሙስ፣ 27 ነሓሰ 2026 ሰዓት 4:58:06 ቅ.ቀ.

ኤምባሲታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኖርወይን ካናዳን፡ ከምኡ’ውን 22 ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ዘተ ንምክያድ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዝድግፋ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር ከምዘይብላ ገሊጻ

ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር ከምዘይብላ ገሊጻ

ሰሉስ፣ 25 ነሓሰ 2026 ሰዓት 6:18:03 ድ.ቀ.

ሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ወይ ቀርሰንቲ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ የመን ሓንቲ ፍርያት ነዳዲ እትጽዕን መርከብ ከም ዝጨወዩ ትካል ንግዳዊ ስርሒታት ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኤ-ኤፍ-ፒን ሮይተርስን ጸብጺቦም ነይሮም።

ትግራይ፡ ኣመሪካ ብዛዕባ ምብጻሕ ኦባሳንጆ ናብ መቐለ ዝሃበቶ መግለጺ

ትግራይ፡ ኣመሪካ ብዛዕባ ምብጻሕ ኦባሳንጆ ናብ መቐለ ዝሃበቶ መግለጺ

ሰሉስ፣ 25 ነሓሰ 2026 ሰዓት 5:23:36 ድ.ቀ.

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኦሊሰንጉን ኦባሳንጆ፡ ብሰኑይ 24 ነሓሰ 2026 (ኣ.ኤ)፡ ናብ ትግራይ ‘ወግዓዊ ዘይኰነ’ ምብጻሕ ከም ዝገበረን ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ዝተዘራረበን ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

ትግራይ፡ ‘ኵሉ ነገር ስለ ዝተሓጽረ፡ ወስወስ ኢልና’ውን ንረኽቦ ነገር የለን’

ትግራይ፡ 'ኵሉ ነገር ስለ ዝተሓጽረ፡ ወስወስ ኢልና'ውን ንረኽቦ ነገር የለን'

ሰኑይ፣ 10 ነሓሰ 2026 ሰዓት 5:07:08 ቅ.ቀ.

ኣብዚ እዋን፡ ሰለስተ ኣገደስቲ ዞባታት ትግራይ ብኸቢድ ሕጽረት ዝናብ ተጠቒዐን ምህላወን ይግለጽ፤ ከም ሳዕቤኑ፡ ሓረስቶት ኣብ ልዑል ጭንቅን ሻቕሎት ቀለብ ሰብን እንስሳን ወዲቘም ይርከቡ።

ኢንፋንቲኖ ይቕረታ ሓቲቱ - ስልጣኑ ግን ክለቅቕ ድዩ ክጸንሕ?

ኢንፋንቲኖ ይቕረታ ሓቲቱ - ስልጣኑ ግን ክለቅቕ ድዩ ክጸንሕ?

ሓሙስ፣ 6 ነሓሰ 2026 ሰዓት 7:10:24 ቅ.ቀ.

ነቲ ኣካታዒ ዝዀነ ውጥን ስዒቡ ብርቱዕ ነቐፌታ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ኢንፋንቲኖ ብረቡዕ ኣብ ራባት (ሞሮኮ) ምስ ላዕለዎት ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓ ፊፋ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ።